🎤 Bruiloft Songlijst

Prachtige liederen voor een speciale dag

Klik op een lied om de tekst te bekijken

1. ዝተፈትወት ዕለት

ዝተፈትወት ዕለት ዝተፈትወት ዓመት ዝተመለስኩላ ናብ ናይ ኣምላኸይ ቤት ዝተሸለምኩላ ኣምባር ምስ ቐለበት ዝተፈትወት ዓመት ኣምስዩ ዝመጸ ኣይእቶ ኣይትበሉ ደንጉዩ ዝመጸ ይጽናህ ኣይትበሉ ፍቕሩ እኹል ኢዩ እግዚኣብሔር ንኩሉ ውሉድ ክርስተ'ዩ ከምቲ ተስፋ ቃሉ። ካብ ናዝሬት'ዶ ሰናይ የለን እንዳበሉ ፊሊጶስ ናትናኤል ንኣፎም የዕልሉ ቀይርዎ ኢዩ ነቲ ማይ ናብ ወይኒ ንልበይ ወሲዱ ፍቅሩ ማሪኹኒ። ኣነየ ሕማሙ ኣነየ ሓሳቡ ኣቦይ ሓላል ፈቃር ቦቕባቕ ኢዩ ልቡ ተስዓን ትሸዓተን እማን ከለውዎ ንዓይ የናድየኒ ካብቲ ዘለክዎ። ንኩሉ መርሚረ ደምዲመ ክውስን እንትርፎካ ኢየሱስ ዓለም ሕልፊ የብላን ፈጺሙ ዘይቅየር እቲ ኣቦነትካ ጠፊኤ ምስ መጻኩስ ርእየዮ ወድካ።
⬅️ Terug naar lijst

2. ዛ ኪዳነ ምሕረት

ኣደ ንዘካትም ናይ ድካታት ሃብቲ ደበስ ቶም ሕዙናት ናይ ውጹዕ ትምክሕቲ ተስፋ ዝተሰደ ንድኩም ጽላሉ ዛ ኪዳነ ምህረት (2)ጸግዒ ሰብ ዘይብሉ ንቡር ዘይነበሮ ሕርሲ ቅድስት ሃና ሓጎስ ኩላ ምድሪ ዝሓቁፋ ሲኢና ተቀምሶ ዘይብሉ በይኖም ኣብ በረካ ስእነት ተደሪራስ ስእነትና ባሪካ ደጊም ስእነት ቤተይ ኣይኮነን ንሕሰም ኩሉ ንሰናይ ዩ ዳሕራዩ ዝጥዕም ከም ህጻን ምስ ቖልዑ እንከይ ተጻወተት ኣብ ሕቁፎ ወለዳ ፍጹም ከይሓንቀቀት እግሪ ተክሊ ህጻን ብጽድቂ ተፈልያ ዝጠፈአ ኣዳም ምድሓኑ ክርእያ ለካ ዝክትምናይ ሕማቅ ዕጫ ኣይኮነን ንሳ እካ ኣሕሊፋቶ ኣደ ንጉስ መድሕን ወሊዳ ምሕቃፋ ኣብቲ መብልዒ ማል ክብሪ ሕስራነይ ዩ ውርደተይ ዝነቅል በጃይ ከሳድዳ ናይ ጥንቲ ጸላኢ ኮይኑ ኣሎ ሞገሰይ ገጽ ሰባት ከይርኢ ኣብ ጽላል ኪዳና መድሕነይ ዘክበሮ ናብራይ ናብራ ስደት ከመይ ኢለ ዘይጸሮ ወይዝ ፈቃድ ኣምላክ ዕጹብ ክትሕልኖ ነቲ ሓደ ወዳስ የዕብያ ክትስእኖ ሞቱ ብዘይ መርድእ ኣብ ቅድሚ የዕንታ ታይ ዝበለ ሓዘን ዘይብሉ መሰታ ሓዘነይ ንቡር ዩ ከምቶም ዝቀደሙ ኣመስግኒ ነብሰይ ኣዕብዪ ንስሙ
⬅️ Terug naar lijst

3. ካበይ ኮነለይ

ካባይ ኮነለይ ኣደ ጎይታይ ክትመጺ ናበይ ኣደ ጎይታይ ካበይ ኮነለይ / (2) ኣብቲ ጎቦ ኤፍሬም ኣብ ጽምዋ ቤተይ ንበይነይ ተኪዘ ረዳኢ ዘይብለይ ብፍጥነት መጻእኪ ተሎ ንምርደአይ መንፈሱ መሊኤን ተሪረን የዕንተይ ካበይ ኮነለይ ኣደ ጎይታይ ክትመጺ ናበይ ኣደ ጎይታይ ካበይ ኮነለይ ገፊሕ ውራይ ገሬ ሰባት ምስ ዓደምኩ ወይነይ ተወደአ ዘርሞ ዘርሞ ኮንኩ ዓቅለይ ጸቢብኒ እንቅዓ ከስተንፍስ ጎዶሎይ መላእኪ ፍርሃተይ ዝቅንጥጥ ካበይ ኮነለይ ኣደ ጎይታይ ክትመጺ ናባይ ኣደ ጎይታይ ካበይ ኮነለይ ብሰባት ተናዒቀ ከምዝስተብረ ገልዒ ኢሎም ይሓምዩኒ ኣይኮነን ናይ ሰብ ዘሪኢ ኣእምሮይ ብምሕዳስ ከሰስተይ ኣገረምኪ አርጋኖን ሰዓታት ኣብጻሕኩ ንክብርኺ ካበይ ኮነለይ ኣደ ጎይታይ ክትመጺ ናባይ ኣደ ጎይታይ ካበይ ኮነለይ ብፅእቲ እብለኪ ናትኪ ውሉድ ኮይነ ውዳሴኺ ይደግም ኣብ መቅደስኪ ቆይመ ኣማላዲት ኣደይ ዋሕሰይ ንስኺ ክብርኺ ክነግር'የ ንዓለም ልዕልናኺ / ካበይ ኮነለይ ኣደ ጎይታይ ክትመጺ ናባይ ኣደ ጎይታይ ካበይ ኮነለይ / (2)
⬅️ Terug naar lijst

4. ስምኪ ጸዊዐ

ስምኪ ጸዊዐ መዓስ ሓፊረ ማርያም ኢለ ኣበይ ወዲቐ ስምኪ ኢዩ'ሞ ስንቂ ኮይኑኒ እንሆ ምስጋናይ ተቐበልኒ(2) ጸላኢ መጺኡ ኪቃወመኒ ንብዙሑ ዘመን ከሸግረኒ ሰይጣን ማርኩ ከሳቅየኒ ወላዲተ ኣምላክ ኣደ ኣላትኒ ናይ ለውሃት ኣደ ናይ ፍቅሪ ኣርኣያ ናይ ድኩም ዘራይ ድንግል ንሳያ ሓጥእ ኢካ ኢላ ኣይትንዕቀንን ንዓኣ ሕዘስ ገለ ኣይከውንን መርዓ ምስ ኮነ ሰብ ምስ መልአ ዝቅረብ ሽሻይ ምስ ተወድአ እንታይ ክቅርብ ኢሉ ክሽገር ንዓኪ ሒዙ ግና ኣይሓፈረን ጎይታ ሰሚዑ ንልማኖኪ ባህ እንዳበሎ ትርህራሄኪ ነቲ ጽሩይ ማይ ብተአምራት ወይኒ ገበሮ ብከሃልነት በዓልቲ ግርማ ድንግል ኣደ ጎይታ ምክንያት ምድሓን ናይ ኣዳም ተስፋ ስምኪ ክጽውዕ ኣብ ግዜ ሓዘነይ ምሳይ ልገቢ እምባ ጽዮን ጸግዐይ መታን ከይጠፍእ ዘክታም ከይከውን እግዚአብሔር ስቅ ኣይበለንን ኣምላክ ይመስገን ዕድል ኣሎኒ ወላዲተ ኣምላክ ኣደ ኣላትኒ መርዓ ምስ ኮነ ሰብ ምስ መልአ ዝቅረብ ሽሻይ ምስ ተወድአ እንታይ ክቅርብ ኢሉ ክሽገር ንዓኪ ሒዙ ግና ኣይሓፈረን ጎይታ ሰሚዑ ንልማኖኪ ባህ እንዳበሎ ትርህራሄኪ ነቲ ጽሩይ ማይ ብተአምራት ወይኒ ገበሮ ብከሃልነት
⬅️ Terug naar lijst

5. ኣሰይ ጸሎተይ ሰመረ

ንመድሃኒኣለም ነጊረዮ ነይረ ------አስ፣ ማዕጾኻ ክዃሕኹሕ ንግሆ ኮነ ምሸት፣ጸገመይ ሰሚዕኻ መሊስካለይ ንዕለት። መጠን ዝጎደለ ቤተይ መሊእካዮ፣ትማሊ ሓሊፉስ ነዚ እኳ ርኤዮ ኣሰይ ጸሎተይ ሰመረ። ------አስ፣ ንድንግል ማርያም ነጊረያ ኔረ ------አስ፣ ኣፍ ደገኺ ቆይመ ሕሹኽ ክብል ልበይ፣እነሆ ተፈጺሙ 'ቲ ሕሉፍ ትምኒተይ፣ ወላዲተ ኣምላኽ እንከለኺ ኣብ ጎድነይ፣መዓስየ ሓፊረ ፍጹም ብጎደሎይ ------አስ፣ ንቅዱስ ሚካኤል ነጊረዮ ነይረ ------አስ፣ ናይ ሞተይ ደብዳቤ ንዕለት ተቐየረ ኣብ ጉድጓድ ኣናብስ ብሰላም ሓዲረ፣ ሎሚ' ውን ከም ቀደም ህይወተይ ዘክራ፣ኣብ ኣሰር ክርስቶስ ክትጸንዕ ሓደራ ኣሰይ ጸሎተይ ሰመረ ------አስ፣ ንቅዱስ ገብርኤል ነጊረዮ ነይረ ------አስ፣ እቲ ናይ ውሽጠይ ጸሎት ናይ ልበይ ልማኖ ዘመን ከም ዘቑጸረ መን ኮን'ዩ ዝኣምኖ፣ ብስራት ልማድካ ደስታ ናይ ወዲ ሰብ ጸሎትካ ሰሚሩ በቒዐ ንከብካብ ኣሰይ ጸሎተይ ሰመረ ------አስ፣ ንቅዱስ ሩፋኤል ነጊረዮ ነይረ፣ ------አስ፣ ከም ሳራን ጦቢት ደጋፊት ክረክብ ላዕልን ታሕትን ኢለ ኣመና ክጥዕብ፣ ከም ጥዑም መኣዛ ኣዕሪግካ ጸሎተይ፣ ረኺበያ ሳራ ፍንጫሕ መሰንገለይ ኣሰይ ጸሎተይ ሰመረ ------አስ፣ ንሰማዕተ ልድኣ ነጊረዮ ነይረ፣ ------አስ፣ ሓዘነይ ሓሊፉ ንብዓተይ ተደርዘ፣ዝቐነነ ቖይሙ ንጸሎትካ ሒዘ፣ ሊቀ ሰማዕት ቤትካ ናይ ህይወተይ ሰረት፣ ለምሊመ ኣጉላዕሊዐ ፈርየየ ብህይወት ኣሰይ ጸሎተይ ሰመረ ------አስ፣
⬅️ Terug naar lijst

6. ወይቤላ

ወይቤላ መርዓዊ ለመርዓት /ሃበ ደብረ ከርቤ ወደብረ ስሂነ ንዒ ንኁር ሃበ ደብረ ከርቤ ወደብረ ስሂነ/2 ኣንቲ ፍትውተይ ጽብቕቲ ኩለን ዘይብልኪ ሕፍቲ እንካብ ሊባኖስ ማሕደር ኣናብስት ናባይ ጠምቲ ዓለም ሓላፊት ምስ ኩሉ ክብራ እንታይ ትርጉማ ይኣክል ንዒ /ንዒ ናብ ቤተኪ ቅድስት ከተማ/2 ግልጽ በልዮ ትዝሓለፈ ሕቕፎ ናይ ዓለም ንመን ኣዕረፈ ኣንቲ ኣብ ቛቚራ ዘለኺ ርግበይ ጾርኪ ኣራግፊ ክሳዕ ምዓስ ኢዩ ብዘይ ንስሓ ኣብ ገምገም ጸድፊ ሙቕጻር ብዕድመ ኣብ ደምበ ጽድቒ እንታይ ክኸውን ፍቕረይ ምሳኺ /ዋጋ መስቀል'ዩ ናይ ደም ቃል ኪዳን/2 ኣብ ልዳት ቤትኪ እነኹ ይደሀ ሎሚ ይከፈት እንከይ ጸብሐ ቲ ርእሰይ ህቦ ቦታ ናይ ጠሊ ልቢ ሃቢዮ ጻዊዒት ፍቕረይ ተዕርፈሉ'ዩ ውዕለት ቀራንዮ ቤትኪ ሓሊፈ ከይተማዕድዊ ከውታ ምስ ኮነ ሓደራ ነፍሲ /ምርሳሕ የእጋርኪ ነየን ክመኽነ/2 ጻዊዒት ፍቕረይ 'ቲ ቅዱስ ምስጢር በጃኪ'ዩ ነፍሲ ንሞት ዘሳግር ጻዊዕት ዕድመይ ኣብ ልዕሊ ኣኽራን እናዘለለ አሀን ዘይትብሊ ክቡር ምኣደይ ከመይ ቀለለ ኣብ ጽላል ፍቕረይ ንዒ የዕርፊ ተሰለምለይ ኣብ ዳስ መቕደሰይ /ኩንለይ መርዓት ንመርዓ ሰማይ/2 ድሓይ ዕድሜኺ እንከይ ዓረበ ልብኺ ሃቢ ሞት ከየርከበ
⬅️ Terug naar lijst

7. ይቤላ ይቤላ

ይቤላ ይቤላ ወይቤላ ንዒ (፪) ይቤላ ይቤላ ወይቤላ ንዒ ርግብየ ሰናይት /፪/ በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ "ወይቤላ ንዒ" ይደሉ ስባሔ ለሥሉስ ቅዱስ "ወይቤላ ንዒ" ውዳሴ ወግናይ ዓሰርቱ ቃላት "ወይቤላ ንዒ" አስተማሰልናኪ ተቅዋመ ማኅቶት "ወይቤላ ንዒ" ዳዊትኒ ይቤ እግዚኦ እግዚኦ "ወይቤላ ንዒ" ኃይልኪ ፍጹም ለጽልመት ዘመዖ "ወይቤላ ንዒ" ዳዊትኒ ይቤ አኮኑ አኮኑ "ወይቤላ ንዒ" ቃልኪ እምየ መናዝዝ ለኩሉ "ወይቤላ ንዒ" ዳዊትኒ ይቤ ፍካሬ ፍካሬ "ወይቤላ ንዒ" ለልዑል አዶናይ ዘኮንኪ ማኅደረ "ወይቤላ ንዒ" ክበበ ገጽኪ ከመ ወርሐ ሰማይ "ወይቤላ ንዒ" አዕይንትኪ ብሩህ እምኮከበ ሰማይ "ወይቤላ ንዒ" ለክብረ ዚአኪ እምርሑቅ መጽኡ "ወይቤላ ንዒ" ውርዝዋን ደናግል ከመ ያንፈርዕፁ "ወይቤላ ንዒ" ጥበበ ቃልኪ ጎሥዐ ልሳንየ "ወይቤላ ንዒ" ትፍሥሕተ ወሐሤት ኮነኒ ሲሳየ "ወይቤላ ንዒ" ዖድክዋ ለዓለም ሐጣእኩ ከማኪ "ወይቤላ ንዒ" በታሕተ እግዚእ መኑ ይመስለኪ "ወይቤላ ንዒ" ራእይኪ ሰናይ መርሕ ለዕውር "ወይቤላ ንዒ" ኢይበጽሖ ኣነ ክብርኪ በመዝሙር "ወይቤላ ንዒ"
⬅️ Terug naar lijst

8. እግዚኣብሄር ሓላዊና´ዩ

እግዝኣብሄር ሓላውይና ዩ ጋሳይና ዩ እግዝኣብሄር ሓላዊና ዩ ጋሳይና ዩ ኣብ በርኻ ኣብ ስደት [2] ኣብ በርኻ ኣብ ስደት ኣብ ዝኾነ ቦታ ድኻምና ዝጸውር በደልና ዝዕገስ ፍጽም ከይንመውት ሕማምና ዝፍውስ ትጉህ ዩ ጋሳና ፍጽም ዘይተኸስ ምሳና ወፊሩስ ምሳና ዝምለስ እስከ ንዘክሮ ዝሕለፍናዮ ሂወት ተስፋና ኣኽቲምስ ክንምለስ ካብ ኣፍሞት ትማሊ ውሕዳት ሎሚ ኣእላፍ ኮይና ስራሕ ኣምላኽና ዩ እምበር ኣይኮነን ካባና ደጊም ንበራበር ግዜና ኣኺሉ ሓድሽ ምዕራፍ ንኽፈት ሂወት ንረኽበሉ ምስጋና ነቅርብ ብሓባር ንስሙ ኢየሱስ ክርስቶስ ሰላም ያ ዓለሙ ንዑ ናቤት ኣምላኽ ብመንፈስ ክንዓቢ ይጽውዓና ሎ ንኽፈተሉ ልቢ ጻውዒት ናይ ጎይታ ሸለል ኣይንበሎ ሓቀኛ ዕረፍትስ ኣብ ቤቱ ዩ ዘሎ
⬅️ Terug naar lijst

9. ሃበ ሆርኩ ሁሪ

ሃበ ሆርኩ ሁሪ ዘተናገርኩ ስመሪ የማነ ኢደኺ በላእልየ ኣምብሪ እለ ይጻረሩኒ ተጻረሪ ማርያም(3) ወምክሮሙ ዘርዝሪ ምስትውዓላ ኢኪ ንዮዲት ጥበባ ነገረይ ክሰምር ልሳን ክንለይ እባ ሞጎሰይ ኩኒ'ዶ ኣብ ቅድሚ ጸላእተይ ርእሱ ንከድንን ሪኡ ንዓወተይ(2) ሃበ ሆርኩ ሁሪ................. ናብ ሰላም ተብጽሒ ናይ ጽድቂ መንገዲ ናብቲ ዝከድክዎ ምሳይ እንዶ ኪዲ ስምኪ ስንቀይ እንዱ ፍቅርኪ ጽላለይ ጸበልኪ ሒዘየ ወጼ ካብዚ ቤተይ(2) ሃበ ሆርኩ ሁሪ................. ኣእምሮይ ክርበሽ ምስ ሽግር ገጢሙ ናይ ዕርቂ በዓቱ ኩንዮ ሰላሙ ሕልናይ ምስ ስጋይ ምስናይ ክኣቢ ኣብ ኣዳራሽ ልበይ ድንግል ተቀመጢ(2) ሃበ ሆርኩ ሁሪ................. የማነይቲ ኢድኪ ፍቅሪ እተዝንብ ውሽጠይ ትዳህስሶ ነፍሰይ ሰላም ትርከብ ኣደይ እንዳበልኩ ፍቅርኪ ዝሰብኮ ስቅ ኢለ ኣይኮንኩን ምክንያት ኣለኒኮ(2) ሃበ ሆርኩ ሁሪ.................
⬅️ Terug naar lijst

10. ነዚ ዝገበረ

እግዚኣብሄር እሙን ዩ ኩሉ ግዜ ኣብ ቃሉ መርዓውን መርዓትን እንቋዕ ደስ በለኩም ናይ ያዕቆብ ኣምላኽ ሞገስ ዝኾነልኩም ክንደይ መከራ ተሳጊርና ኣብ ዕጸ ገነት ኣቚሙና እስኪ ንዘምር ብደስታ እሙን ጓሳ'ዩ ናትና ጐይታ ካባና ዝኾነ ውን የለን ተመስገን ጐይታ ንዘልዓለም ስራሕካ ኣብሪሁ ብምስጋና ኣብ መርዓውትና እንደገና ፍጹም ዘይካኣል ዝበልናዮ ብእግዚኣብሔር ኮይኑ ርኢናዮ ከም ደቂ ኣሳፍ ተኣኪብና ስሙ ብቅኔ ኣመስጊንና ዝተባረኸ ብኣእዳዉ ዘውትር የፍስስ ቅኔ ኣፉ ምስ መላእኽቱ ሓደ ኮይና ስራሕ እግዚኣብሔር መሲጡና ገንእና ወይኒ ጎዲሉና ኣምላኽና ባዕሉ መሊኡልና ኣረጊት ይውጻእ ካብ ገዛና ሓድሽ'ውን ይእቶ ናብዚ ቤትና ኤቨን ኤዘር'ዩ ምስጋናና ይረድኣና'ሎ ፈጣሪና ገጽና በሪሁ ብደስታ ግርማ ኮይኑና ናትና ጎይታ(2)
⬅️ Terug naar lijst

11. Goytaye barkelna

ጐይታየ ባርኸልና መርዓውትና ባርኽልና እህ ባርኸልና እህ ንመርዓዊ እህ ተሓጒሱ እህ ርኢናዮ እህ ኣብ መርዕኡ እህ ጐይታየ ባርኸልና ንመርዓትና ባርኽለን እህ ባርኸልና እህ ንመርዓትና እህ ተሰሊማ እህ ርኢናያ እህ ንዓጀብቲ ሰናይ ፍረ እህ ኩልዕ ኢሎም እህ ተራእዮም ሎሚ እህ
⬅️ Terug naar lijst

12. ያዕቆብ ካብ ቤርሳቤህ

ያዕቆብ ካብ ቤርሳቤህ ናብ ካራን ክኸይድ ፍጹም ኣይነበሮን ኣማኻሪ ዘመድ ጸሓይ ዓሪባቶ ምስ በጽሔ ኣብኡ ኣብ ታሕቲ ናይ ርእሱ እምኒ ተንተርኢሱ። ሕልሚ'ውን ሓሊሙ 'ቲ ዓብይ ራኢይ ዝተተኽለ መሳልል ካብ ምድሪ ክሳብ ሰማይ ክወጹ ክወርዱ መላእኽቲ ካብኣ እግዚአብሔር ውን ቆይሙ ኣምላኽ ኣቦታትካ ኣነ እግዚኣብሔር እየ ነዛ ምድሪ ንርስትኻ ክህበካ እየ ክዝራእ’ዩ ‘ብ ምድሪ ከም ሑጻ ዘርእኻ ብኹሉ መኣዝን ክኾኑ ህዝብኻ። አበው ብምሳሌ ከም ዝነገሩና ካብ ምድሪ ክሳብ ሰማይ ኣምላኽ ዝዘርግሓ ብግልጺ ክረአ ኮይኑ ኣብ ልዕሊኣ ናይ ያዕቆብ መሳልል እመቤትና ኢያ። ‘ቶም ሰማይን ምድርን ዝተዓረቁላ ወልደ እጓለ እመሕያው ዝተወለደላ መላእኽቲ ካብ ሰማይ ብሕብረት ዘሚሮም ‘ታ ዓባይ መሳልል ኮይና ኣደ ጎይትኦም።
⬅️ Terug naar lijst

13. ኩሉ ትኽእል ኢኻ

ኩሉ ትኽእል ኢኻ ወይንተ ይኹን ኩሉ ትኽእል ኢኻ ነቲ ዝመደብካዮ ዝኽልክል የለን እግዚኣቢሄር ሓያል ፍቅሪ እንዲኻ ንዘልኣለምን ንዓኻ ከመስግን(2) ከዘንትወልኩሲ ዝተገበረለይ ኣቱም ደቂ ፍቅሪ ቅረቡ እንዶ ናባይ ኣብ ድኻመይ ሓይሊ ምርኩስ ኮይንለይ 'ባ ደስታ ዝተነጽፎ ረጊጸ ዕምባባ ዓቢ ነገር ኣምላከይ ጌሩለይ ተሓጉሰ ኣመስጊኑ ልበይ(2) ይኾነሉ ደኣ ይሰምር ሓሳቡ ብኣኻ ዝውከል ኣይሓፈረን ኩሉ ተጌሩለይ ርኤ እነሆ ምስክር ብጥዑም ዝማሬ ፍጹም ይሰርሰር ዓቢ ነገር ኣምላከይ ጌረለይ ተሓጉሰ ኣመስጊኑ ልበይ (2) እዚ እዩ ኔሩ ናይ ንእስነት ሕልመይ ፈጺምካዮ ጎይታ ጨቢጠ ራእየይ ሽሻይ ቀሪበ ኢየ ዳሰይ ሰሊመዮ እቶ ብበረኸት ጎዶለይ ክትመልኦ ዓቢ ነገር ኣምላክይ ጌሩለይ ተሓጉሰ ኣመስጊኑ ልበይ(2) ኣይርበሽን ልበይ ዝኣምኖ ኣሎኒ ሓቒቕ ማይ ዝልውጥ ናብቲ ምዑዝ ወይኒ ሰሚሩለይ በቃ በጺሑ ናይ ልበይ መለሳ ውህበቱ ፈኔዮ ዕልልታይ ዓቢ ነገር ኣምላከይ ጌሩለይ ተሓጉሰ ኣምስጊኑ ልበይ (2)
⬅️ Terug naar lijst

14. ብዘይ ንስካ መን ኣለኒ

ብዘይ ንስካ መን ኣለኒ ኣብ ዝኾነ ግዜ ንስኻ ኢኻ ኣምላኸይ ተስፋይ ኣበ ዘመን ንስኻ ኢኻ መደብ ኣቦይ ናይ ሂወተይ ኩሉ ንስኻ ኢኻ ሓላፊ ነፍሰይ ወላ ምስ ብዙሑ ጸላእተይ ብዙሓት ክኮኑ ንስኻ ኢኻ ጸላይ ኣብ ዘይፈልጦ ምድሪ ንስኻ ኢኻ መራሕ ባይ እንተዘይ ኮንካ ኢኻ ኣፋሕዝ ዝውሃቦ ደሓር'ኳ ይርከብ ኣነ ከይበሃልኩ ኣቦ ዝሓወይ ዝሓወይ ኣብ ልዕሊ ኩሉ ሓወይ ዘይሓሊፍ ፍቕሪ እቲ ዘሎ ኣብ ቃልካ ዓወይ ብምንታይ ክሓስብ ብምንታይ ክፍራሕ ፍቕርኻ ምሳይ ዘሎ ንምንታይ ክንብራሕ
⬅️ Terug naar lijst

15. ክነፈ ርግብ

ክነፈ ርግብ በብሩር ዘግቡር ወገበዋቲኅኒ ሐመልማለ ወርቅ/2/ ኣንቲ ምስራቅ ወወልድኪ ፀሐየ ጽድቅ አማን በአማን አማን በኣማን/2/ ኢየኅልቅ ኪዳንኪ ወላዲተ ኣምላክ ተስፋ ኣዳም ኢኺ ዘርሓኽሉ ገነት ጸሓይ ርኢናልኪ ዘርሓቀልና ጸልማት ህዝቅኤል ዝረኣያ ዝወጸልኪ ብርሃን ጓል ኢያቄም ሃና ወሊድክልና መድሕን መርከብ ናይ ኖህ ኢኺ ማልዶትኪ ዕቅባና ካብ ኣይሂ’ዛ ዓለም ሳላኺ ኣምሊጥና ስልማት ናይ ልብና ህያብ ጎልጎታ ኣደ ክትኮንና ዝሃበና ጎይታ ትምክኽቲ ዶኪማስ ድንግል እመ ብርሃን ኪዳንኪ ኣሚኑ ዝሓፈረ የለን ውህበት ጸጋ ኣምላኽ ዕዙዝ’ዩ ኣብ ልዕሌኺ ደቅኺ ዘክሪ ድንግል ሓደራኺ ምስ ኤፍሬም ሶርያዊ ንዓኺ ክንውድስ ሰላም ለኪ ኢልና ዜማኺ ክንደርስ ይለዓል ከበሮ ይቃነ በገና ማርያም ማርያም ኢልና ከነመስግን ኢና
⬅️ Terug naar lijst

16. በገናይ የልዕል ኣለኩ

በገናይ የልዕል ኣለኩ ኣሰኒየ ዝተረፈ ኮቦሮ ጸናጽል እንብልታ ብቅኔ ማህሌት ዉዳሴ ክዝምረሉ ንእግዝኣብሔር ብሓዲሽ መዝሙር ምስጋና ክናዲ ክጽዉዕ ስሙ ኣይርብርብን'የ ጌና ተላዒለ ክዉርዉር ድምጺ ምስጋና ከናፍረይ ኣፈልፊለ ተላዒለ ኣግረይ ናብ ቁዱስ መቅደስካ እንሆ ኣንጊህ ይግስግስ ተላዒለ ከም ቡርቱዕ ገላቢት ፈረስ ብምስጋና ይማላለስ ኑዑ ንሕበር ብምስጋና ኑዑ ንሕበር ብዉዳሴ ኑዑ ንሕበር ንኣምልኾ ኑዑ ንሕበር ኣብ ጉባኤ ክዝምር'የ ሂወተይ ኣብ ፍቅሩ የንሳፍፍ ልበይ ፍጹም ተመሲጡ ክዝምር'የ ተኣዛዙ ሓጎስ ሂብኒ ምንባረይ ምስኡ ጢዕሙ ክዝምር'የ ዉሽጠይ ሰላም መሊእዎ ብጸጋ ዓብዩ ሂወተይ ክዝምር'የ ዘልኣለም ክኽዉን ናቱ ፍቅሩ ፍቅሪ ይሕዲሩለይ ኑዑ ንሕበር ብምስጋና ኑዑ ንሕበር ብዉዳሴ ኑዑ ንሕበር ንኣምልኾ ኑዑ ንሕበር ኣብ ጉባኤ
⬅️ Terug naar lijst

17. ጌርካለይ ኢኻ ሞ

ጌርካለይ ኢኻ ሞ ብምሕረትካ ዕልል እናበልኩ ከመስግነካ ንዘለዓለም ኣማኑኤል ክግዝኣካ'የ መድኃኔዓለም (2) ኩሉ ፀልሚቱኒ ፀድፊ ክኸበኒ ናይ ሽግር ማሕለኻ ሓሊኹ ሒዙኒ ረዳኢ ዘይብለይ ክመስለኒ በይነይ ደስታ መሊእኻዮ ዝሓዘነ ልበይ ኣምላኸይ ጉልበተይ መመክሒ ሓይለይ ፀላኢ መሕፈሪ ዋልታ ናይ እምነተይ ካብ ዘለኒ ኩሉ ንዓኻ ኣሚነ ከምዘይትገድፈኒ እፈልጥ እየ ኣነ ብውሑድ ንብዙሕ እትምግብ ጎይታ እንተ ሰኣንኩ'ኳ ዝመልሶ ውሬታ ብቐትሪ ብለይቲ ብኹሉ እተብርህ መንክር ንባህሪኻ ድንቂ ናትካ ስራሕ ኣምላኸይ ንዓኻ ይግባእ ምስጋና ነዛ ምስኪን ቤተይ በረከታ ኢኻ ድኻ እየ ኣይብልን ሃብተይ ንስኻ ኢኻ ገንአይ መሊእኻዮ ከምዘይጎድል ጌርካ
⬅️ Terug naar lijst

18. ትልሚ ክቡር ሓሳብ

ትልሚ ክቡር ሓሳብ ፥ ክቡር ሰብ ዝሓስቦ እፈልጥ'የ ጎይታይ ንስኻ ምዃንካ ክብሪ እትህቦ ነገር ናብራ ኮይኑኒ ግን ልበይ'ና ኣፍቀረካ እንተ ተረፈ ሱግመይ ጾር ልበይ ከይከብድ ኣርዑት ነፍሰይ ኣቕልል ክርስቶስ ኣምላኽይ ኣዝ................ ነዛ መሬት ጻዕሪ ሰሪሐ ክነብራ ፍቓድካ ምስ ኮነ ክምእርር እንጌራ ድፍእ ድፍእ ክብል ናብራይ ንኸጣጥሕ ትርፊ ኣይከላእካንን ጻማይ ንኽረብሕ ስስዕቲ ልበይ ግን ንልብኻ ኣጉህያ ሰሪ ክርዳድ ግብራ ስርናይ ነፍሰይ ምሕያ ሕጅስ ይእከለኒ ዝሓለፈ ኣክል ፈልሲ ወይኒ ቓልካ ኣብዛ ልበይ ትኸል ኣዝ.................. ምሁር እንተ ኾንኩ ወይስ ተማሃራይ እሙር ጥበበኛ ወይ ትጉህ ሓረስታይ ኢዱ ዝመልኣሉ ሃብታም እንተ ኾንኩ ምስ መን የቑጽረኒ ኩሉ እንተ ረባሕኩ ኣንታ እንጌራ ሕይወት ብማዕዶ ትናፈቕ ግብሪ ጽድቂ ጠምያ ነፍሰይ ከይተንባሁቅ ኣቦ ጸጋ"ኻ'ሞ መዝገቡ ዘይበርስ ቃልካ መግበኒ ክህብትም ብመስፈስ ኣዝ .................... ነገር ናብራ ስጋ ኮይኑኒ ዘይግደፍ ውሽጠይ"ና ናፈቀካ እግረይ ግን ይተርፍ ነገሩ ኣርሚሙኒ ምስ ኮነ ዕንይንይ ምስ ውሽጠይ መኺረ ክዕረቕ ምስ ለፍሰይ ስምካ"የ ጸዊዐ ንዓኻ ክረክብ ደጊም ይእከለኒ ትርኪ ምርኪ ሓሳብ ሓልዮት ናብራ ዓለም ንልበይ ከይከብድ ኣንቅሓኒ ጎይታይ ድኻመይ ክወግድ
⬅️ Terug naar lijst

19.ሓሊፈዮ ድንግል

ሓሊፈዮ ድንግል ነቲ ማዕበል ሓሊፈዮ ድንገል ነቲ ሕልኽላኽ ምርኩስ ኰይንክኒ ኢኺ ወላዲተ ኣምላኽ። ሓሊፈዮ ድንግል በቲ ናትኪ ምልጃ ሓሊፈዮ ድንግል ኩሉ ምስ ሰገርኩ ሓሊፈዮ ድንግል ቲ እከይ ተግባረይ ሓሊፈዮ ድንግል ሰጢሙ ተሪፉ ሓሊፈዮ ድንግል ከበሮ እምበር ከልዕል ሓሊፈዮ ድንግል ከም ሓፍቲ ንሙሴ ሓሊፈዮ ድንግል ምስጋና ክስውእ ሓሊፈዮ ድንግል ብሓዲሽ ውዳሴ። ሓሊፈዮ ድንግል ኣሕዋተይ ብተንኮል ሓሊፈዮ ድንግል ምስ ኣባረሩኒ ሓሊፈዮ ድንግል ኣብ ዝኸድክዎ ግን ሓሊፈዮ ድንግል ድንግል ሸይማትኒ ሓሊፈዮ ድንግል ´ቲ ርህሩህ ኣምላኸይ ሓሊፈዮ ድንግል ጐይታ ክርስቶስ ሓሊፈዮ ድንግል ምልጃኺ ሰሚዑ ሓሊፈዮ ድንግል ሂቡኒ ሞገስ። ሓሊፈዮ ድንግል ኣብ ማዕሙቅ ባሕሪ ሓሊፈዮ ድንግል ብሽግር ጸበባ ሓሊፈዮ ድንግል ደጋፊ ዘይብለይ ሓሊፈዮ ድንግል ዘጸናንዓኒ ሓሊፈዮ ድንግል ብኣኺ ወጺአ ሓሊፈዮ ድንግል ምርኩሰይ ኰይንክኒ ሓሊፈዮ ድንግል ሰብ የብለይን እሞ ሓሊፈዮ ድንግል ካባይ ኣይትርሓቂ ሓሊፈዮ ድንግል ንስኺ´ኺ ኣደይ ሓሊፈዮ ድንግል ፍጹም ዘይትርሕቂ ሓሊፈዮ ድንግል ውዕለታኣ ብዙሕ´ዩ ሓሊፈዮ ድንግል ናይ ድንግል ማርያም ሓሊፈዮ ድንግል ንዓኣ ሂቡኒ ሓሊፈዮ ድንግል ይኽበር ንዘልኣለም።
⬅️ Terug naar lijst

20. ቃና ዘገሊላ

ቃና ዘገሊላ(2) ኣብ መርዓ ዶኪማስ ተርክብኪ ድንግል ምስ ልዕል ጎይታ ተረኺብካ ጎይታ ምስ ወላዲትካ(2) ዕድማት መሊኦም ክበልዕ ክሰቲዩ ኣብ መንጎ ግን ወይኒ ተወዲኡ ናይ ዶኪማስ ሓዘን ውሽጡ ተረዲኪ ንጎይታ ብምንጋር ሓዘኑ ቀይርኪ ቃና ዘገሊላ(2) ኣብ መርዓ ዶኪማስ ተርክብኪ ድንግል ምስ ልዕል ጎይታ ተረኺብካ ጎይታ ምስ ወላዲትካ(2) ንዒ ምስ ወድኺ ማርያም ኣዴና ዝጎደለ ኩሉ ንኽትልምንልና ንመድሃኔኣለም ድንግል ንገርዮ ሪኢና ከይንስእን ሽሻይና ኣብዝሕዮ ቃና ዘገሊላ(2) ኣብ መርዓ ዶኪማስ ተርክብኪ ድንግል ምስ ልዕል ጎይታ ተረኺብካ ጎይታ ምስ ወላዲትካ(20) ንስኻ እንከለክልኻ ዝሓፍረ የለን ንኽሉ ትኽእል መድሃኔኣለም ነቲ ማይ መሊኻ ናብ ወይኒ ቀይሮ ብበረኸት ናትካ ንኽፍኡ ክንሰግሮ ቃና ዘገሊላ(2) ኣብ መርዓ ዶኪማስ ተርክብኪ ድንግል ምስ ልዕል ጎይታ ተረኽብካ ጎይታ ምስ ወላዲትካ ናይ ድንግል ምልጃኣ ናይ ጎይታ ጎይትነት ፍጹም ተገሊ ኣብ ናይ ዶኪማስ ቤት እንሆ'ውን ሎሚ ኣብ ልዕሊ ዞም መራዕት በርኽት ፈሰሰ ብናይ ኣምላኽ ምሕረት ቃና ዘገሊላ(2) ኣብ መርዓ ዶኪማስ ተርክብኪ ድንግል ምስ ልዕል ጎይታ ተረኺብካ ጎይታ ምስ ወላዲትካ(2)
⬅️ Terug naar lijst